Aymecha'akn

ኣይመችኣክን

ኣይጥዓመክን ዘሎ እነግር ኣሎ ዓይንኺ
ኣይጥዓመክን ኣይጥዓመክን
ኣይመችኣክን ዘሎ ምቅባሩ ት'ግብርኺ
ኣይመችኣክን ኣይመችኣክን

እንተ ሓሸኒ'ልኪ ገዲፍክኒ
ፍቅሪ ዋዛ ኮይኑ ጠንጢንክኒ
"ኤህ" ክብል ኣይዝክርን'የ ክረግመኪ
ግዳ ሕሉፍ ኢድኪ ጸኒሑኪ
እናወራረቅኪ ነዞም ቃላት
በዲሉኒ'ልኪ የእሚንክዮም ሰባት
ሕልናኺ ደሞ ክዒቡኪ
ተጻሊእኪ በቃ ምስ ንስኺ

ቁንጣሮ ኣበረይ ኣሪኺ ከም ጎቦ ኮሚርክዮ
ኪድ ከይበልክዮ ንፈቃር ልበይ ብሜላ ርሒቅክዮ
ገሪሙኒ መሲልኪ ከተምስሊ
በዲላቶ ከይብሉኺ ተታልሊ
ዝበደልኩ ጌርኪ የዕሊልክለይ
ልበይ ሴርኪ'ስ ኣሽካዕሊልክለይ

ልቢ በዲላ ትብል ዘረባ
ኣፍሪሃትኪ ከም ጸበባ
ልቢ በዲላ ትብል ዘረባ
ኣፍሪሃትኪ ከም ጸበባ
ልቢ በዲላ ልቢ ቀቲላ
ስለምንታይ ደኣ'የ

ግብርኺ እናርሓቀኒ ንልበይ እናሳጎጎ
ጠንቂ'ዶ 'ኸ ጌርክኒ ምፍላይና ዝባሃጎ

ንሰብሲ ድሓን ኣደናጊርክዮ ኣለኺ
በዲልዋ ይብለኪ'ሎ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ ኣይትበልዮም
ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ ኣይትህሰዮ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ ኣይትበልዮም
ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ ኣይትህሰዮ

ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ

ሓቂ ምሕሳማ--(ይእከለኪ'ባ)
እዚ ናትኪ ድራማ
በዲለ ይሕመ'ሎ--(ይእከለኒ'ባ)
ልበይ ሞት ይእከሎ
ክስኺ ይብል ኣሎ መዋቲ ቀቲሉኒ ዘሎ
ሕልና ምትላል ይእከለኪ'ባ ምስ ጠቀነ ምውዓል

ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ
ከይፈለጠኒ'ንዴ ሃስየዮ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ
ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ.!

ግብርኺ እናርሓቀኒ ንልበይ እናሳጎጎ
ጠንቂ'ዶ 'ኸ ጌርክኒ ምፍላይና ዝባሃጎ

ንሰብሲ ድሓን ኣደናጊርክዮ ኣለኺ
በዲልዋ ይብለኪ'ሎ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ ኣይትበልዮም
ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ ኣይትህሰዮ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ ኣይትበልዮም
ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ ኣይትህሰዮ

ሓቂ ኣምሲለ ኮየ ሓስየዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ
ቀስ ኣቢለ'ንዴ ቀቲለዮ
ዕባራ ምኽኒት'ዩ ኔው በልዮ



Credits
Writer(s): Samuel Alemu, Abel Kiflom
Lyrics powered by www.musixmatch.com

Link