Eliza

የዒንትኺ ምስለይ ከቛምታ
ምናትኪ ሽምጠይ ክቕነታ

ከናፍርኪ ስዒመ ክጠልል
ዕላልኪ ሰኒቐ ክውዕል

ይራኣየኒ ኩሉ በብሓደ
ናፍቖት ፍቕርኺ እናገደደ
ይኸይድ እናገደደ

ክንዛወር ቡን ሻሂ ክንብል
መጻኢና ሓቢርና ክንስእል

ኤሊዛ እወ ኤሊዛ

ስሕት ኢልኪ ገዛና ክትመጺ
ትራኣይኒ ሃዲእኪ ክትረግጺ

እ... ዉ... ይ . ፍቕሪ ቕደመይ
ከሜለኺ ከመይ

ኣብ ታሪኽ ፍቕርና
እታ ንግስቲ ለይቲ
ኣብ ልዕለይ ፍትወትኪ
ክትገልጺ ምእንቲ

ንብዓት ዘሰነዮ
ህያብኪ ክቕበል
ይረኣየንሞ
ከብደይ ይገማጠል

የዒንትኺ ምስለይ ከቛምታ
ምናትኪ ሽምጠይ ክቕነታ

ከናፍርኪ ስዒመ ክጠልል
ዕላልኪ ሰኒቐ ክውዕል

ይራኣየኒ ኩሉ በብሓደ
ናፍቖት ፍቕርኺ እናገደደ
ይኸይድ እናገደደ

ኣከዳድናኺ ግዜ ዝጠለቦ
ሰገናይ ክሳድኪ ወርቂ ንኸበቦ

ኤሊዛ እወ ኤሊዛ

ኣፍልብኺ ኣራንቺ ዝዓምበቦ
ኣበይሞ ሎሚ እንተ ዝረኽቦ

እ... ዉ... ይ . ፍቕሪ ቐደመይ
ከሜለኺ ከመይ

መዓር ክንስኺ
መሊስኪ ትምዕሪ
ቅንዕቲ ሰብ ኔርኪ
ስውእቲ ንፍቕሪ

ኣይ ሃሰስክን ድማ
ደሚቕኪ'ቋ ድኣ
ሓለፋ ኣለኪ እምበር
ካብቲኣ ካብቲኣ

ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ
ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ

ኤሊዛ ናይትማሊየይ
ኤሊዛ ሎሚወን ኣለኺ
ኤሊዛ ከመይ'ለ ክርስዕ
ኤሊዛ ትርስዒ ዲኺ

ኤሊዛ ባራት ቤት ሻሂታት
ኤሊዛ ለይታዊ ትልሂታት
ኤሊዛ ዝኽርታትኪ ኣለዎም
ኤሊዛ ኩሎም ጎደናታት

ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ
ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ

ኤሊዛ ጾግርኺ ኣብ ደረተይ
ኤሊዛ ክንስነስ ከም ሰቲ
ኤሊዛ ዓይንኺ ዓሚትኪ
ኤሊዛ ከንፈርኪ ክትከፍቲ

ኤሊዛ ማይ ካብ ከናፍርኪ
ኤሊዛ ቐዲሐ ክሰቲ
ኤሊዛ ከመይ ክርስዖ
ኤሊዛ ይርሳዕ ድዩ'ቲ

ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ
ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ

ኤሊዛ ጾግርኺ ምስ ንፋስ
ኤሊዛ ፊልፊል እና በለ
ኤሉዛ ምስቲ ቖመናኺ
ኤሊዛ ብማዕዶ ዝልለ
ኤሊዛ'ቲ ቦቕባቕ ከብድኪ
ኤሊዛ ካብ ኣደ ዘይፍለ
ኤሊዛ ድቃስ ከሊኡኒ
ኤሊዛ ኣብ ዓይነይ እና ተሳእለ

ኤሊዛ ኤሊዛ ኤሊዛ
ኤሊዛ...



Credits
Writer(s): Kiros Asfaha
Lyrics powered by www.musixmatch.com

Link