Teamir

ቃላት ኣይገልጾን'ዩ መልክዓ ኣካላ
ብጥበብ'ያ ውጽያ ናዓይ የ ኣሂላ

ኣብ እግራ ሮማዲ ደበና ጽላላ
ብኹለንትናኣ መን ከማይ ኣቢላ

ናይዚ ዘመን እዚ ሆብለል ተባሂላ
ናይዚ ዘመን እዚ ሆብለል ተባሂላ

ካብ ማህጸን ክብረ ወሰን ሓዚላ
ኣብዚ ዘመን ታኣምር ተፈጢራ

ልደታ ኣብ ዓለማት ይጸምበል
ንኽብራ ይደበል ይታዓለል

ታኣምር...

ንገሩ ህዝቢ ዓለም ኣበስሩ
ንገሩ ዝራኣኽሞ መስክሩ

ንገሩ ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ
ንገሩ ስለ ኽብራ ዘምሩ

ታኣምር...

ካብ ደምን ስጋን ድያ'ታ
ከብ ናይ መሬትና ጽፍሒ
ዶ ወላስ ካብ ሰማያት
ወይ ካብ ጉኑን ሞግልሒ

ኣብ ጠፈራት ድያ ዓብያ
ምሰዋርቅ ኣብ ጥፍሒ
ይርእይ ኣሎ ዓይነይ

ተንቃሳቕሲት ወሒ
ተንቃሳቕሲት ወሒ

ነቲ ዋግዋግ መሬት ኣብርሂዎ ገጻ
ብልሳን ብቐለም ከቢድ'ዩ ምግላጻ ምግላጻ

ኣይኮነን'ዶ ስሩዕ ቅርጻ
ኣይኮነን'ዶ ልኡል ድምጻ
ኣይኮነን'ዶ ቐላይ ዓይና
ኣይኮነን'ዶ በረድ ስና

ኣፍቂረዮለኹ ኣነስ ወላ ኽዳና
ወላ ትሕልፈሉ ጎደና

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ረቅቕቲ ፍጡራት ኣለዋ ይባሃል
ምልኩዓት ሙኻነን ይንገር ብዕላል

እዚኣ ግን ሰብ'ያ ስጋ ዝለበሰት
ንፈለማ ግዜ ኩሉ ዘማለአት
ንፈለማ ግዜ ኩሉ ዘማለአት

ከም ጸባ ትስተ ከም እኽሊ ትብላዕ
ካብ ጽባዝሕ ናብ ጽባሕ መሊሳ ትኹላዕ
ዓለም ክተመቅር ብፍሉይ ተላእኸት
ኣብ ምንቅስቓሳ ንፍሑላ መለኸት

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ካብ ማህጸን ክብረ ወሰን ሓዚላ
ኣብዚ ዘመን ታኣምር ተፈጢራ

ልደታ ኣብ ዓለማት ይጸምበል
ንኽብራ ይደበል ይታዓለል

ታኣምር...

ንገሩ ህዝቢ ዓለም ኣበስሩ
ንገሩ ዝራኣኽሞ መስክሩ

ንገሩ ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ
ንገሩ ስለ ኽብራ ዘምሩ

ታኣምር...

ካብ ደምን ስጋን ድያ'ታ
ከብ ናይ መሬትና ጽፍሒ
ዶ ወላስ ካብ ሰማያት
ወይ ካብ ጉኑን ሞግልሒ

ኣብ ጠፈራት ድያ ዓብያ
ምሰዋርቅ ኣብ ጥፍሒ
ይርእይ ኣሎ ዓይነይ

ተንቃሳቕሲት ወሒ
ተንቃሳቕሲት ወሒ

ነቲ ዋግዋግ መሬት ኣብርሂዎ ገጻ
ብልሳን ብቐለም ከቢድ'ዩ ምግላጻ
ምግላጻ

ግርማኣ ግርማ ኽራማት
ፈዋሲት ኩሉ ሕማማት

ኣፍልባ መዕረፊ ደንደስ
ሽታኣ ሽታ ቤት ምቕደስ

በየናይ መግለጺ ብምንታይ ክትምሰል
ገነት ብምልእታ ኣብኣያ ትጥቕለል

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ንሳ'ታ ሃሪ ጸጉሪ ርእሳ
ንሳ እታ ግሩም ኣልባሳ

ንሳ ፈጣሪ'ዩ ዋሕሳ
ንሳ ንግስቲ'ያ ንሳ
ንሳ ልእልቲ'ያ ንሳ

ንሳ እወ'ታ ማዓር ጠስሚ
ንሳ'ታ ናይ ሂወተይ ትልሚ

ንሳ'ቲ ናይ ትማሊ ሕልሚ
ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ
ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ

ንሳ'ታ ሓያል ሰራዊታ
ንሳ'ታ ኹሉ ዝጥምታ
ንሳ'ታ ቕቡል ሓሳባታ

ንሳ ጌራትኒ'ላ ናታ
ንሳ ጌራትኒ'ላ ናታ

ንሳ እታ ታኣምር ቅርጻ
ንሳ ታ ጽብቕቲራግጻ

ንሳ እታ ጸባ ርሃጻ
ንሳ ንዓያ መሪጻ
ንሳ ንዓያ መሪጻ

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ገለያ'ዚኣስ ገለ ገለ'ያ ገለ
ቦኽሪ ዓይነይ ታኣምር ሪአ ዊዒለ

ንሳ'ታ ሃሪ ጸጉሪ ርእሳ
ንሳ እታ ግሩም ኣልባሳ

ንሳ ፈጣሪ'ዩ ዋሕሳ
ንሳ ንግስቲ'ያ ንሳ
ንሳ ልእልቲ'ያ ንሳ

ንሳ እወ'ታ ማዓር ጠስሚ
ንሳ'ታ ናይ ሂወተይ ትልሚ

ንሳ'ቲ ናይ ትማሊ ሕልሚ
ንሳ ጋህዲ ጌራቶ ሎሚ

ንሳ ንግስቲ'ያ ንሳ
ንሳ ልእልቲ'ያ ንሳ



Credits
Lyrics powered by www.musixmatch.com

Link